myESAi Forum Index » Creative Entertainment
|
|||
አምላኽ ናበይ ከይዱ?
ፈርዖን ብፈርዖኑ። ነፋሪት ዚዝውር፤ ኣብ ልዕሊ ፒራሚድ። ንሚጋት ዜብርር፤ 80 ሚሊዮን ሕዝቢ ዜመሐድር፤ ጅግና ኔሩ ይብሉካ። ካብ ሓጺን ዚተርር፣ ግን…. ምሕረት ከየርአኻ። ፍትሒ ምስዓምጸጽካ፤ ብሌላን ጉሌላን ምስራሕ ምስጀመርካ፤ ድኽነት ነጊሡ። አብ ማእከል ሕዝብካ፣ ምልኪ ምስ አብዛሕኻ፤ ግፉዒ ምስ ወሰኽኻ፤ ትዕቢት ምስ ሰለስካ፤ ከይተፈለጠካ፤ መዋዕል ኮይኑካ፣ ኣማስያካውን… “ኣነ እንተዘየልየ ምስሪ ክትጠፍእያ” እታ ዝበልካያ ካብ “ንዓይ ኣምልኹ” ብምንታይ ትፈልያ? ወይለይ… ረቢ ናበይ ከይዱ? አምላኽ ናበይ ከይዱ? ኣይ ኩሉ እንዲዩ አብ ኢዱ፤ ሰላሙ ኬስፍን መንፈሱ ሰዲዱ፤ በቲ እንኮ ወዱ፣ ብዝኾነ ... ብሕቶ ሕዝብኻ። ራኢ ንዘለዎም ባይታ ብምግዳፍካ ካብ ምፍሳስ ንጹሕ ደም ስለ ውሳነካ ንፍትሒ-ንሰላም ኣገናዕ እብለካ ወዲ-ሑስኒ ለባም!!! ………………………….. እንኪምርመር ምስጢሩ እዞም ዓድና እዞም ለባማት፤ ሐሳቦም ዚገልጹ ብብልሐት፤ ኩነተ ሙባርክ ምስዘጋጥም፤ ከምዚ ዮም ዝበሉ ካብ ጥንቲ ካብ ቅድም፣ ወደሺ.. “ሰብ ክሳብ ዝጸልአካ። ዕድመ አይሓብካ፣” ኢዩ እቲ ነገሩ እንኪምርመር ምስጢሩ፤ ብሐጺሩ፣ ………………….. ኣንቲ ምስሪ አንቲ ናይል። አንቲ ግብጺ። አንቲ ምስሪ፤ አብ ክንዲ ጥበብ። ትሪ፤ አብ ክንዲ ልቦና በትሪ፤ አብ ክንዲ ሰላም። ከትሪ፤ ውጹዕ ሕዝቢ ከምዘይሐሪ፤ ክውን እንዶ ጌርኪዮ ፀሐይ ቀትሪ። ከም ቀደምኪ ብግብሪ እወ ብግብሪ፤ ኣንቲ ምስሪ! ንዓለምና። እንታይ ግዲ ዲኺ ከተምህሪ? Mehret _________________ Holy God, Holy Mighty One, Holy Immortal One, have mercy on us and on the whole world. |
|
|||
http://www.esai.org/summit/2011/ REGISTER FAST FOR THE ESAI SUMMIT AND TELL YOUR FRIENDS
BIGGEST EVENT, THE SUMMIT OF ALL SUMMITS @ the 11th annual summit _________________ Ellal Aklilu |
myESAi Forum Index » Creative Entertainment » 3 ግጥሞቸ to Egypt and Mubarak » Reply to topic